ብዛዕባ ሮክስ (Roks)

እዚ ብኣሕጽሮተ ቓል ሮክስ (Roks) ተባሂሉ ዝጽዋዕ ሃገራዊ ውድብ መዕቆቢታት ደቂ-ኣንስትዮን መዕቆቢታት ነኣሽቱ ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ሽወደንን፡ ኣብ መዳይ ምዕቋብ ነኣሽቱን ዓበይትን ደቂ-ኣንስትዮ፡ ኣብ ሽወደን ዝዓበየ ውድብ እዩ። ዕላማ ውድብ ሮክስ፡ ሓባራዊ ረብሓታት ናይተን ኣብ ትሕቲኡ ተጠርኒፈን ኣብ ልዕሊ ደቂ-ዝካየድ ዓመጽ ኣብ ምቅላስ ዝነጥፋ መዕቆቢታት፡ ንምውሓስ ዝዓለመ እዩ።

ውድብ ሮክስ፡ ህዝባዊ ርእይቶ ቅርጺ ንምትሓዝ ዝነጥፍ ኮይኑ፡ ንህዝቢ ምስ ወድዓዊ ኲነታት ናይቲ መዕቆቢታት ውን የላሊ። ብዜካ`ዚ ንኲነታት ናይዘን መዕቆቢታት ብዝልከት ውን ምስ ግዳማውያን ኣካላት ዝርርባት የካይድ። ኣብ ትሕቲ ውድብ ሮክስ፡ ኣስታት 100 ዝኾና መዕቆቢታት ናይ ዓበይትን ነኣሽቱን ደቂ-ኣንስትዮ ተጠርኒፈን ይርከባ።

ሮክስ ኣንስተኛዊ ውድብ ኮይኑ፡ ንመሰላት እኹላት ደቂ-ኣንስትዮን መሰላትን ሓርነትን ነኣሽቱ ደቂ-ኣንስትዮን ከምኡ ውን ማዕርነት ኣብ ኩሉ ብርክታትን ንምርግጋጽ፡ ዝቃለስ ውድብ እዩ።

መዕቆቢታት ደቂ-ኣንስትዮ

ነፍሲ-ወከፍ መዕቆቢ ርእሱ ዝኸኣለን ነጻን ኮይኑ፡ ናቱ ኣገባብ ኣሰራርሓ ውን ኣለዎ። ይኹን እምበር፡ ንኹለን መዕቆቢታት ሓደ ዝገብረን፡ እቲ እኹላትን ነኣሽቱን ደቂ-ኣንስትዮ ሓገዝ ምስ ዝደልየን ዝድውላሉ ኩለን መዕቆቢታት ዝውንንኦ፡ ህጹጽ ናይ ድጋፍ መስመር እዩ። ኣድላዪ ምስ ዝኸውን፡ እቶም ናብዚ መስመር ዝድውሉ ሰባት መንነቶም ከየቃልዑ ክድውሉ ይኽእሉ ጥራይ ዘይኮነ፡ ዝኾነ ዝምዝገብ ነገር ውን የለቦን።

እተን መዕቆቢ ማእከላት ዝህብኦ ናይ ድጋፍ ኣገልግሎታት፡ ኣብ ውልቃዊ ድልየታትን ሃረርታን ናይተን ደቂ-ኣንስትዮ ዝተሰረተ እዩ። ምናልባት እታ ደላይት ድጋፍ ዝኾነ ጓል-ኣንስተይቲ ብዛዕባ ህልዊ ኲነታታ ወይ ውን ዝምድናታታ፡ ክትዛረብ ትደሊ ትኸውን። ንምምልካት ናብ ፖሊስ ዝምልከት ምኽሪ ወይ ውን ናይ ናብዮት ክርክር ዝምልከት ምኽሪ፡ ትደሊ ውን ክትከውን ትኽእል። ብዛዕባ ኣብ ቀረባ እዋን ወይ ውን ቅድሚ ነዊሕ ዓመታት ዘጋጠመ ጾታዊ ዓመጽ ዝምልከት ውን ክኸውን ይኽእል እዩ። እተን ኣብዚ መዕቆቢ ማእከላት ዝሰርሓ ደቂ-ኣንስትዮ፡ ብመልክዕ ዝርርብ ድጋፍን ምኽርን ይህባ እየን። ብዜካዚ፡ ንኣብነት፡ ናብ ፖሊስ፡ ጠበቓ ወይ ውን ናብ ማእከል ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ክትከይድ እንከለኻ ውን፡ ምሳኻ ብምዃን ክሕግዛኻ ይኽእላ እየን። መብዛሕትአን መዕቆቢ ማእከላት፡ ኣብ ውሽጢ`ቲ መዕቆቢ ንደቂ-ኣንስትዮን ደቀንን መንበሪ ገዛ ይህባ እየን።

ብርክት ዝበላ ካብዘን መዕቆቢታት፡ ሕጋዊ ምኽሪ ዝህብ መስመር ኣገልግሎት ኣለወን። ገለ መዕቆቢታት፡ ነተን ናይ ምስማዕ ጸገማት ዘለወን ደቂ-ኣንስትዮ ተባሂሉ ዝተዳለወ ብጽሑፍ ጥራይ እትረኻኸበሉ፡ መስመር ተለፎናት ኣለወን። ገለ ውሱናት መዕቆቢታት፡ ግዳያት ርኹስ-ወሲብ ዝኾኑ ኣባጽሕ፡ ጥራይ ይቕበላ።

መዕቆቢ ደቂ-ኣንስትዮ ኣብዚ ሃሰው ኢልኩም ርኸቡ

 

መዕቆቢ ጎራዙ ወይ ነኣሽቱ ደቂ-ኣንስትዮ

ኣብ ትሕቲ ጽላል ውድብ ሮክስ፡ ኣስታት 30 ዝኾና መዕቆቢታት ነኣሽቱ ደቂ-ኣንስትዮ ተጠርኒፈን ይርከባ። 10 ካብዚአን፡ ነብሰን ዝኸኣላ ነጻ ውድባት እየን። ኣገባብ ኣሰራርሓ ናይዘን መዕቆቢታት ካብቲ ናይ ዓበይቲ ደቂ-ኣንስትዮ መዕቆቢታት፡ ዝፍለ ኣይኮነን። ኮይኑ ግን፡ መዕቆቢታት ነኣሽቱ ደቂ-ኣንስትዮ ኣተኲሮአን ኣብተን፡ ከም ኣብነት፡ ግዳይ ታህዲድ ምግልታዕ ጾታዊ ዓመጽ ወይ ውን ብኻልእ ምኽንያት ምስ ጓል ኣንስተይቲ ክዛረባ ዝደልያ ደቂ-ኣንስትዮ፡ ዝተሓጽረ እዩ። ደቂ-ኣንስትዮ ዝርከባሉ ሃለዋት ናብራ ንህዝቢ ንምፍላጥ ውን፡ ብንጥፈት ይጽዕታ። መዕቆቢታት ነኣሽቱ ደቂ-ኣንስትዮ ናይ ገዛእ ርእሰን መርበብ-ሓበሬታ ኣለወን። እቲ መርበብ-ሓበሬታ እዚ ዝስዕብ እዩ www.tjejjouren.se

መዕቆቢ ነኣሽቱ ደቂ-ኣንስትዮ ኣብዚ ሃሰው ኢልኩም ርኸቡ

 

ኣብ መዕቆቢ ምስራሕ

መብዛሕትኦም እቶም ኣብ መዕቆቢ ዚሰርሑ ሰባት፡ ወለንታውያን እዮም። ኣብዚ መዕቆቢ ክትሰርሕ መታን፡ ብመጀመርያ፡ ኣብቲ እቲ መዕቆቢ ዘዳልዎ ናይ ትምህርቲ ዓንኬል ንኽትጽንበር ተቐባልነት ክትረክብ ኣለካ። ኣባል ሰራሕተኛታት ክትኮኑ ምስ እትደልዩ፡ ኣብ ከባቢኹም ምስ ዝርከብ ናይ ዓበይቲ ወይ ውን ነኣሽቱ ደቂ-ኣንስትዮ መዕቆቢ ተራኺብኩም ተዘራረቡ።